ነፍሰጾር ኮንኪ ካብ ኤርትራ ምስዳድኪ?

ደገፍ የድልየኪ ድዩ? ኣብዚ ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝግበር ናይ ክንክን ጥንስን ሕርስን ከመይ ከም ዝመስል ክትፈልጢ ትደልይ ዶ? ኣብ ግዜ ጥንስኺ ክሕግዛኺ ዝኽእላ ክልኦት ጥኑሳትን ተሓጋገዝቲ ትካላትን ከነራኽበኪ ንኽእል። እዚ ብቛንቛኽን ብ መንገዲ ማእከል CenteringPregnancy: Mahzel ይትግበር።

ኣብ ዓሰርተ ናይ ኦንላይን ጉጅለ መድረኻት ምስ ካልኦት ስደተኛታት ነፍሰጾራት ካብ ኤርትራን ሓንቲ መሕረስቲን ኤርትራዊት ሓባራዊ ተቖጻጻሪትን ኩሉ ሕቶታትካ ክትሓትትን ተመኩሮታት ከተካፍልን ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ናይ ሆላንድ ክንክን ሕርሲ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ክትመሃሩ ኢኹም።

ተሳትፎ ብ ነጻ እዩ

ተሳትፎ ኣብዚ ናይ ኦንላይን ብዘይክፍሊት ብነጻ እዩ። ተሳትፎ ኣብዚ ብ ኢንተርነት ዘዝካየድ መደብ CenteringPregnancy ምስ መሕረሲትኪ ትገብርዮም ቀጥታዊ ርክባት መተካእታ ኣይኮነን፡ ግን ተወሳኺ እዩ።

ተወሳኺ ክትፈልጢ ወይ  ክትምዝገቢ ኣንተ ደሊኺ?

ስምክን ቁጽሪ ተሌፎንክን  ናብ CPEritrea@gmail.com ኢመይል ስደዲ። ክንድውለልኪ ኢና ተወሳኺ ሓበሬታ ብትግርኛ ክወሃበኪ እዩ።  ብ ድሕሪዚ ክትሳተፊ ድልየት ኣንተለኪ ትውስኒ።

 

Dutch

English

Bericht delen: